top of page
ኣንበልብሊ ኣንመልብሊ
ጨርቂ ኣይኮንክን
ብወሓለታት ትጥለፊ
ዓለባ ኣይኮንክን
ብስድሪ ትዕጸፊ
ኣርማውን ኣይኮንክን
ኣበ-ኣዕኑድ ትልጠፊ
ደም ሰቲኺ
ዓጽሚ ሰርኪ
ክልቲኡ ሓደ
ናትኪ ገዝሚ
ናትኪ ገዝሚ
ሓያል ክንክን .....ንስኺ ጐይታ
ኣንበልብሊ ሰንደቕና
ኣብ ማእከልተን እንትርፎ ማይ
ደም ዘይሽትታ

ግጥምታት ፍቓዱ ካሕሳይ
ተረንሽዋ
ኣለክሳንደር ፑሽኪንግ
ኣስመራ ቤላ
Big Title
bottom of page