top of page
ከይተማትኤ "ሰንደቕ ሃገረይ ለቢሰ እየ ንተወዳደርተይ ከላህለሆም ዝውዕል ኢሉና
ከምታ ዝበላ ከዓ ኮና
ንሰንደቕና መን ዘይረኣያ
ንካርታ ኤርትራ መን ዝይደለያ
ከርእዮም ውዒሉ ኤርትራዊ ጸወታ
ኤርትራዊ ኒሕ ክእለት ንብሽግለታ
ክንዮ ሕብሪ ዝመከተ ጭዋዳ
ብሉጽ ፍጥረት ኤርትራዊ
ንኣፍሪቃ በኽሪ ወዳ
ኣርእዩ ሰብ ዝበጽሖ ከም ዝብጻሕ
ሰብ ሰብ'ዩ ኣብ ዝጸንሔ ይጽናሕ
ሕጂ ንጋጠም ናይ ቀደም ከም ዘለዎ
ንሎሚ ንግደፎ
ዳኒ ኣብ በሪኽ ፖድይየም
እቲ ብርሑቕ ዝርኤ ኣብ ዓለም
ኣነ ብኤርትራዊ-ነተይ
ኣነ ብኣፍሪዊ-ነተይ
እሕበን
እዀርዕ
ንሱ እዩ እምነተይ
ምስ በለ
ንገሊኦም
ክንዮ ሓቂ ኮይኑ
ኣበዮም ምእማኑ
ኣመንቲ ሕብሪ ተገምጠሎም ዘመኑ
bottom of page