
ኣደታትናን እነሓጎታትን
ኣሞታትናን ሓትእኖታትናን ሓደ እየን፡-
ብፍቓዱ ካሕሳይ
ኣደታናን እ
ሓትኖታትናን ማዕረን ጽቡቓት እየን.ብጾታዊ ዓይኒውን ሓደ እየን
ጠሚተን ሓደ ሕብሪ እየን ዝርእያ
ንሓባ
ጠሚተን ሓደ ዓይነት....... ሕብሪ ዝርደኣ
ተመሳሳሊ ጸገም............. ብሓባር ዝፈትሓ
ሰሓቐንን ፍሽኽታን ......ዘይ ንፍቕሪ እምበር..... ንኻልእ ዘይፈጠረን
ኣነ ንስኻን ንስኽን
ናተን ደምን ዓጽምን.........ናተን ኣካል
ናተን ውላድ.....................ናተን ተምሳል
ናተን ደም ….. ናተን ዓጽሚ
ናተን ፈገግታ..........ናተን ስኒ
ናተን ራኢ …........ናተን ዓይኒ
ናተን ኣጋር..............ናተን ጐኒ
ብቑጽሪ ሓያለ....... ብልቢ ሓደ
ብሓባር ዘዕብያ....... ነንዝተወልደ
ብሓባር ዝጉህያ....... ሓደኳ እንተኽደ
ኣብ ዓሮ.......... ኣብ ጓይላ
ኣብ ጸሎት....... ኣብ ምህልላ
ብሓደ ዘዕርፋ.......... ብሓደ ዝዘላ
ብሓደ ዝሕጐሳ...... ብሓደ ዝሽገራ
ሃዋርያታት ባህሊ ኣደታት ኤርትራ
