top of page

ሕሹኽሹኽ ገደና ሓርነት

 

 

 

ናቱ ገደናን ጐደናን መንገድን....ዶብን መቓንን ዶቡ ከይጠሓሰ

ዶብን መቓንን ደኲኑ

ኣብ ናቱ ጽላልን ቨረንዳን ኣሳፊሑ

  • ኣጋርን ሽዩማትን/ተለኣኽትን ለኣኽትን / መዚዙ

  • ወረ ንስለ ወረ ..ፍጥነቱ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እናወሰኸ እና ጐደለን

  • እናወረደን እናደየበን ...እናጸለመን እናቀሐን ንስለ ኣመል........ይጋልብ

ጸሐዩን ዝናቡን ንኢላቶ ኢልዎ ተወንዚፉ....ድምጺ ዝቐድሕን ቀራጽ ስእሊ ከይደለየ

ክንፉ ዘርጊሑ እዝኒ ንእዝኒ ኣለቂሑ..እዝኒ ካብ እዝኒ ሰሪቑ እናቀድሐ እናባዝሐ

  • እንዳስዋ እንዳባራት

እንዳሻሂ እንዳ ሜስ

ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣብያተ-ትምህርትን

ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን

….... ከይተረፈ

ከም ሕያዋይ በጻሒ.. ከም ብጹእ ብኹሉ ዝእመን

ንኩሉ ጸበሉ ኣጥዒሙ መርዝታቱ ኣምዒጉ

ክወጽእ ከም ዝኣተዎ ከይተጸገመ

መሞቕቲ ኩርሲ ካድራት ወረ መልሚሉ

ጸሓይ ሓንሳብ ምስ ዓረበት ትምለስ ዘይመስሎም

ሽግር ጥራይ ዕላሎም....ሰላም ዝሃደሞም

 

    • ዒሚምን ምኒንን መዝሙሮም...ብኾፎም ዝርህጹ
      • ሓመይትን መተሓመይትን.......ዝጣቋኦም

      • …...መዚዙ ወረ ኩሉ ነገር ንኹሉ ክንዲ ኩሉ ኮይኑ

        ወረ ከም ድሌቱ ከም ዕግበቱ ኮይኑ

        ይሽየጥ የሻይጥ

        ይግዛእ የግዝእ የጋዝእ

        ይስማዕ የስምዕ የሰማምዕ

        ወረ ጐደና ሓርነት ንኻልእ ገጽ ወአር ኣስመራ

  • ይነግድ ይነግድ የናግድ.....ይድልል የዳልል ይድለል

  • ይዘምት ይዝመት የዛምት...ይእሰር ይኣስር የተእስር

  • ክሓሚ ክሕመ ከተሓሚ....

    …...........ውዕሉ ይሓድር

    ወረ ጐደና ሓርነት

    • ስንቂ ሃካይ

    • ሓቂ ምዝራብ ዘይናቱ

    • ሓሶት መበቆሉ

    • መዓስከር ንኹሉ መውረዪ

    • ወረ ይስሕብ ወረ ይፍኑ ….ይስተ የስቲ የሳቲ

    • ይሰከር የስክር የሳኽር.....

      ብኽሳራ ጀሚሩ ንኽሳራ ይውዳእ.

       

      ፍጥነት ወረ ጐደና ሓርነት ንዓቐብን ንቁልቁለት ዝኸውን ስበት ኣለዎ

    • ይነፍጽ ይሕምበብ.....ይዝሕል ይድቅስ

    • ይደፍእ ይድፋእ....ሓይሉ ይጽንቅቕሞ ይመውት ይቕበር

      ቀብሩውን ንሰሓቕ ቦትኡ የረክብ ...ፈገግታ የስሉኽ እዚውን ወረ ይኸውን

ከምዚ እዩ ወረ ገደና ጐደና ሓርነት

 

ኣብ ገደና ጐደና ሓርነት ወረ

  • ወረ ይውዳእ ወረ ከይኮነ...ደንገት ድማ የስሕቕ

  • ወረ ተወዲኡውን መስሕቕ እዩ ..መጀመሪ ስሓቕ

     

    ምውዳእ ወረ ኣብ ገደና ጐደና ሓርነት ቕጭ ኣየምጽእን,ዩ የግዳስ ወረውንዩ

    ከምኡ ምዃኑውን መስሓቒ እዩ

    ወረ ንወረ ይጽበ ….ይጽበ ንሱውን ወረ ይኸውን ንሱውን ብግዲኡ

    • ኣስምሒቑ ጸኒሑ የጉሂ...ከሕስብ ከምዘይጸንሐ ይጠፍእ

    • ለዓትን ሸኾሮን ኣርዑትን ዕርፍን ብዘይ ነዊት ይጸምድ

      ስበት የንውሕ...ስበት የሕጽር

      ጐርቢ ይፍንቅል...ብዘይትልሚ ይዘርእ..ይዝራእ የዛርእ

      ኣብቲ ገደና ጐደና

      በጊዕ ንዝብኢ ጐያቶ ጤል ንዝብኢ ሓንፍጣቶ

      ብዕራይ ወሊዱ...ላም ተዛሪባ ….እዚውን ወረ ይኸውን

       

      ወረ ገደና ጐደና ሓርነት ኣብ ገደና ሓርነት እንተዘይነፊሱ መወዳእታ ዓለምዩ ዝመስል .እቲ ዕላል ስቕ ኢሉ እዩ ዝፍቶ ኽርሕቐካውን ኣይትመርጽን ወልፊ እዩ ነስመሪኖስ .ኣስመሪኖስ ክንዮ ወረ ለዋሃትን ፈተውቲ ሰብን ተሓቢኡ ወይ ተጐልቢቡ ዝበልዕ ሰብ ዘይብሎም. ኣስመሪኖስ ብዘይ ዕላል ኣስማሪኖስ ሄውት ትርጉም የብሉን.

    •  

    • ኣነውን ሓደ ኣባል ገደና ሓርነት

ብፍቓዱ ካሕሳይ .ሓምለ 2016 

  • Twitter Classic
  • c-facebook

Contact

bottom of page