top of page

መጺእኩም ርኣዩና  ተጋ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ

 

ብጽሑና

መጺእካ ርኣየኒ ብሕሪኡ ፍረደኒ ዝብል ሰብኮነ ሃገር ኣብ ነፍሱ ዝተኣማመን እምበር እቲ ንካልኦት ጠቢሩ ክፍለጥ ዝደሊ መጺእካ ረኣየኒሞ ፍረደኒ ክብል ትብዓት የብሉን ,ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ፕረሲደንትና መጺእኩም ርኣዩና ዝበለ.

                                  መጺእኩም ርኣዩና ማለት ንነፍሰ-እምነት እዩ ዝነግር

 

 

ዋና ከተማና ኣስመራ

  • ኣብ ሓለዋ ዝተምደቡ ወተሃደራት ዝኽበብዋ

  • ሮንዳ ፖሊስን ሓለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት ምኒስትሪታትን ቤተ-መንግትን ዝጸዓቕዋ ከተማ ኮይና

  • ተረኺብኩማ ቢንጎ ክሳራ ንዓና

  • ኣቓልቦ ኣብ ቆልዑ

  • ኣብ ፈቐድኡ ዝልምኑ ቆልዑ

  • መግቢ ካብ ጐሓፍ ክበልዑ ጐሓፍ ዝፍሕሩ

  • ጭፍራ ግዳም ሓደር ኣብ ጐደናታትን ፕያሳታትን ዝነብሩ

  • ድኽነት ዝጠንቁ ኣብ ጽርግያታትን እንተልዮም

  • ኣብ ትምህርት 9 ብሄራት ሓደ ዓይነት ኣገባብ ትምህርቲ

                                              ሓደ መሰልን ክንክንን እንተዘረኺብካ

 

  • ካብ ቋንቋ ኣዲኡ ካልእ ተመህሮ ተባሂሉ ዝጽዓኖ እንተልዩ

                    ንሓደ-ነት

                 9 ብሄራት    ሓደ ባህሊ

                 9  ቋንቋታት  ሓደ ትርጉም

                 9  ኣፋት      ሓደ ልሳን

                 9  ሰናቡእ     ሓደ ትንፋስ 

ካልእ ትርጉም ዝህብ እንተተረኺቡ

                        ንዓና ሕፍረትዩ

 

*ኣዋልድ

  • ገዘአን ዝኣትዋ ክኣትዋ ስለ ዝደለያም,በር ፈሪሐን ግዜ እተዋ ዝብል እንተልዩወን

ኣዋልድ ስለ ዝኾና

  • ካብ ኩሉ ማሕበራዊን ባህላውን

  • ካብ ኩሉ ዓይነታት ስፖርትን ምንቅስቓን

  • ካብ ኩሉ ግቡእን መሰልን

  • ብዘይካ ባህርያዊ ኣፋጥራ ካልእ ጾታዊ ፍልልያት

…....እንተረኺብኩም ኣይተቓለሳን ኣይተቓልስናን ማለት'ዩ ዘስምዕ

 

ንእግሪ መንገድኻ

ኩልና ማዕረ ኢና ኢልና ንኣምን ማዕረ ንውለድ ማዕረ ከዓ ንመውት ኩልና ደቂ 9 ኣዋርሕ ኢና. ኣብ ካልኦት ኣህዛብ ምናልባሽ ንሕብርኻ ዘምልኹ ሰባት ረኺብካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኤርትራና ከምኡ የለን ክትግንዘቦ ዝግባእ ኤርትራዊ ከም ስገዱለይ ጌሩ ዝጸልኦ ነገር የለን.ምስጋድን ምስግጋድን ምሳና ኣየሳንን'ዩ ኣይዓበናሉን ድማ.መሰልና እንተዘይረኺብና ሰብ ዝበለ ይበል ንጸዓድ ኣይኮንናን.መሰልና ክንሕሉ ንፈርሕ ህዝቢ እይኮንናን ምኽንያቱ ንፍርሒ ዝኸውን ከብዲ የብልናን, ፍርሒ ንነፍሳ ንኤርትራዊ ትፈርሓሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ እዩ. ጸላእትና ዘይፈልጥዎ ምስጢር እንተል'ዩ ንሱ ጥራይ እዩ.መሰልና ከይረኸብና ንድቅስ ህዝቢ ኣይኮንናን..መሸገርቲ ፍጥረት ኢና. ታሪኽና ከምኡ እዩ.እንተኾነ ግና ብመሰልና እንተ ዓጊብና ከማና ህርህሩ ፈታው ሰላም እቕረ ክንብል ዘንቕደም ቀልጢና ዝሓለፈ ግፍዕን በደልን እንርስዕ ብግርህነትና ንህረምን ህዝቢ ኢና. መወከሲ ታሪኽና እዩ.

 

ማሕበራዊ ፍትሒ

  • ካብ መለመዲ ክሳብ ዩንቨርስቲ ዝኽፈል ክፍሊት እንተልዩ

  • ካብ ክሊኒክ ክሳብ መወከሲ ሆስፒታል ናጻ እንተዘይኮይኑ

  • ኤርትራዊ እየ እምበር ኣነ ካብዚ ብሄር እየ ብውልቂ ኮነ ብእኩብ

  • ዝዛረብን ዘዛረብን እንተረኺብካ

  •  

   ክልተ መበቆላውያን ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ኣለዉና

ኣብ ሓደ ቅርዓት እንተ ረኸብካዮም

 

ንክርስትያን ካልኣይ ሃይማኖቱ እስልምና

ነስላማይ ከምኡ ክርስትና ካልኣይ ሃይማኖቱ

ምዃን ኣይትገረም.ከም ዘሎ ግና ጠምት

 

ካብ ቤተክርስትያን ናብ መስጊድ

ካብ መስጊድ ናብ ቤተክርስትያን

...ርሕቀቱ ማዕረ እዩ.

 

ግን ኸዓ ኣብ ካልእ ዓለም ዘይትረኽቦ ታሪኽ ክልቲኡ ቅዱስ ሃይማኖታት

ከመይሉ ተወሃሂዱ ከም ዝነብርን ርኢኻ እንታይ ክትብል ትኽእል...

ጥራይ ብጽሓናሞ ትዕዝብትኻ መስክር.

 

ጽላተ-ሓቂ ኤርትራና ንበብ

  • ጽኑዕ ሃገራዊ ድሕነትን ሓያል ሓድነት ህዝብን

  • ህዱእን ውሁድን ርእሰ-ምርኮሳን

  • እምነት ብተስፋን ዳግም ተስፋን ምሕዳስ

  • ንብቕዓት መጻኢ ወለዶ ምምልማል

  • እምነት ኣብ ተበላሓትነት ህዝብን ጥንቁቕ ዳህሰሳ ባህርያዊ ሃብትን

  • ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝእምን ጸጊዕነት ዝቃወም

             

ንክውንነት ሃገር

  • ንኹሉ ሓይላን ድኽመታን

  • ሃብታን ድኽነታን ዝመሚ

  • ጻዕሪ በቢደረጅኡን መድረኹን ዝግዕዝ ስራሕ ፖለቲካ

  • ከም ገዛኻ ምንባር ንኢድ መጽወቲ ዘይምምዕዳው

ብዝብል መትከል እትስጉም ሃገር ምዃናን

ዘይምዃናን ተዓዘብ'ሞ ትዕዝብትኻ ሃብ

ኣብ ኤርትራ እንተ ዘተዓዊቱኸ ኣበይ ይዕወት!

 

 

 

 

 

 

 

  • Twitter Classic
  • c-facebook

Contact

bottom of page