

ኣስመራ ቤላ
ኣስመራ ቤላ
ኣስመራ ጽብቕቲ
ኣስመራ ኩሕሎ
ኣስመራ ለምለም
…..... እዝን ካልእን ነስመራ ክንዝክራ ከለና ንብሎ ጽቡቕ ምዝካር እዩ፡ ነስመራ ብጻዕዳ ንምስላ ኢና ፡ ጻዕዳ ኢልካ ምዝራብ ተራ ዘረባ እምበር ኣስመራስ ለምለም ምባል እቲ ትርጉም ዘለዎ መግለጺኣ፡
።ኣስመራና ንዝተፈናተታ ዓድታት ብፍቕሪ እናወሓጠት'ያ ነዚ ሎሚ ዘሎ ቅርጻ ለቢሳቶ፡ ኣስመራ ኣደ ስምረት ኣብ ሓደ ዓመት ኣይተሃንጸትን ንምክንኻና ድማ ካብቲ ዝተሃንጸትሉ እዩ ጀሚሩ።
ኣስመራ ቤላ
ኣቦ ሓጎታትና
ብጥራይ እግሮም
ኖራ እምኒ ኣብ ክሳዶም
ዳይ ዳይ መዝሙር ስቓይ ኔሩ ሽዑ
ጸርፍን ንዕቀትን ነበረ መዘንኡ
ነፍሲ-ወከፍ እምነ-ኩረት
ኣቦሓጎታትና ኣምበሩ መሰረት
ኣስመራ ብዳይ ዳይ ተሃኒጻ
ነዛ ኣስመራ ጽብቕቲ
ተፈሲህና ንረግጻ
ረሃጽ'ዩ ተኻዕዩዋ
ኢድን ኣግርን ተቐጥቂጡ
ታሪኻ ጅማትን ቆርበትን
ኣቦሓጎታትና ልሒጹ
ኣስመራ ቤላ
ኣስመራ ኩሕሎ
ቁራዕ ሓደ-ነትኪ
ነስመሪኖ ጠጢቑ ዘብስሎ
ቁራስ እንጌራኺ ንኹሉ ትኣኽሎ
ቅዱስ ምምቕቓል ከይተረፈት ቆሎ
ተጎዛጒዝካ ምንባር ኣብ ካልእ ዘየሎ
ጥጡሕ ምቕማጥኪ በሪኽ ኩድኹዶ
መጠመቲት መነጽር መርኣዪት ንማዕዶ
ኣስመራ ቤላ ህርፋን ንኹሉ ወለዶ
ንፋስ ጾም-ርበዓ ጣቓ ንገጽኪ ሸፊኑ
ቁሪ ቀውዒ ኣሳሒታ
ጉልባብኪ ኮይኑ
ኩሉ ይመጸኪ ሓልዩ እዋኑ
እዚ ኩሉ ምቅይያር ዓመታዊ ለውጢ
ኣስመራ ቤላ መመሊስኪ
ጥጥሕቲ መቐመጢ
ኣስመራ ኩሕሎ ከተማ ኩልና
ብሓንቲ ነጸላ ኣሚቝኪ ተሕድርና
ዋዛ ናትኪ ሰሓቕ ከየጉደልና
ሓደ ተጐዲሉ መልክዕኪ ይጐድል
ሓደ-ነት ናትኪ ህያብ ንኹልና ዝዕደል
ኣስመራ'ዩ ስምኪ መኒኺ ዝሕብር
ኣበስመራ ምንባር ክንደይከ ይምቅር
ኣስመራ ቤላ ዛዕባኺ ዝብሎ ኣይወዳእኩን
ፍቓዱ ካሕሳይ 12-6-1994
