top of page

ዕላል ጐባልል መርበብ ሓሰቶም
ናቱ ጐደናን መንገድን
ዶብን መቓንን ደዂኑ
ናቱ ጽላልን ቨረንዳን ገቲሩ
ኣጋርን ሽዩማትን ተለእኽን ኣቐበልንት መዚዙ
ወረ ንስለ ወረ ፍጥነቱ ....
ካብ ሰብ ናብ ሰብ
እናወሰኸን እናጓደለን
እናወረደን እናደየበን
ጸሓዩን ዝናቡን
ንኢላቶ ኢልዎ ተወንዚፉ
ድምጺ ዝቐድሕን ስእሊ ዝቐርጽን
በዓል ምያ ከይደለየ ...ክንፉ ዘርጊሑ
እዝኒ ንእዝኒ ...እዝኒ ካብ እዝኒ እናቕድሐ
ካብ እንዳ ሻሂ እንዳባራት
ካብ እንዳሜስ እንዳ ባርቤሪ......ከም ሕያዋይ በጻሒ ንኹሉ ጸጸበሉ ኣስትዩ ማይ-ድጋም ነጻጺጉ...ንኽወጽእ ከም ዝኣተዎ
ከይተጸገመ
ካድራት ወረ ዓሊሙ
ካብ መውረይቲ ናብ መውረይቲ ሸይሙ
ለሰ ገጠምቲ

ሰንደቕንና
ኣንበልብሊ ኣንመልብሊ
ጨርቂ ኣይኮንክን
ብወሓለታት ትጥለ
ዓለባ ኣይኮንክን
ብስድሪ ትዕጸፊ
ኣርማውን ኣይኮንክን
ኣበ-ኣዕኑድ ትልተፊ
ደም ሰቲኺ
ዓጽሚ ሰርኪ
ክልቲኡ ሓደ
ናትኪ ገዝሚ
ናትኪ ገዝሚ
ሓያል ክንክን .....ንስኺ ጐይታ
ኣንበልብሊ ሰንደቕና
ኣብ ማእከልተን እንትርፎ ማይ
ደም ዘይሽትታ
ሰንደቕና
ቀሊል ኣይኮነን ታሪኹ
ብታሕቲ'ዩ ነቒሉ ብበረኻ
ምስ ኩሎም
ጀመርቱ ጓሶት ሓለውቲ'ሓ
ረዚን'ዩ ቲ ታሪኽ
መመሊሱ ዝውሽጥ
መመሊሱ ዘንቃዕርር ቁመቱ
ዝብርኽ
ዕምቆቱ ዘይብጻሕ ውሽጡ
ሪቕ ጽንዓት ምቕማጡ
ቁራዕ ሓደነት መሰረቱ
ንዓስ ክር ዝብሉ...ሓለውቲ ከብቲ
ጐርዞ ካብ ውሻጠ
ተመሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ
ተሓዋዊሱ ቡራኬ ዘለዎ
ካብ ጳጳስን ሙፍትን
bottom of page