top of page

ልዕሊ ኩሉን ክንዮኡን ናብዚ ኣብጺሕካና ከምኡውን ኣስግረና


ተኾርምዩ ዘይድቅስ
ኣንጊሁ ዝወፍር...
ቀልጥፉ ዘይምለስ
ተሓጒሱ ዘይቅልጥፍ
ጉህዩ ከዓ ዘይተርፍ
ተጸሚሙ ዝጐዓዝ
ደኺሙ ዘየዕርፍ
ሓንቲ ዘረብኡ ከም ወርቂ ቀለም
ሚእቲ ግዜ ዝድገም
ዓርኪ ቆልዑ .. ዝበልሕ ኣብ ጸገም
ዘይቅየር ሕብሩ
መማዕደዊ ዋላ
ሓንሳብ ዝጠመታ ኣብ ከዱ'ላ
ተሃዊኹ ዘይኣቱ
ብዘብዘብ ብጉያ
ኣድቂቑ ዝጥምት......n
ንጥልመት
ንጉርሒ
ንሸርሒ......ጠባያ
ድሕሪኡ ኣልያ
ንህዝቢ
ንሃገር...ክብል
ሓሲቡ መምዩ ዘይቅበል ሓረጣ
ቁንጣሮ ትዃቦ ዘስዕበልካ ጣጣ
ካልኣይ ገዛኡ
ኣብ ሓጽቢ ዓዲ-ሃሎ
ቤት ጽሕፈቱ ቴንዳ ደሮና ዘይፍለዮ
መዓስከር ደሮና
ንፋስ ዝፋጽየሉ
ኣብዝን ኣብትን
ኣእማን ተፈንቒሉ
ንሱ ኣብኡ መዓሉ
ኣድናቖተይ ዓብዩ መገጺ ስኢነሉ
የቕንየልና ፕረሲድንትና
ዕድመ 'ሃብካ ክጥዕመና ንዓና
ብፍቓዱ ካሕሳይ
28-8-2015
Edited by sctvworld.com
ፍልልይ1967ን 2023

እዛ ስእሊ?


bottom of page