top of page

ሰንደቕንና እምነትና
ኣንበልብሊ ኣንበልብሊ
ጨርቂ ኣይኮንክን
ብወሓለታት ትጥለፊ
ዓለባ ኣይኮንክን
ብስድሪ ትዕጸፊ
ኣርማውን ኣይኮንክን
ኣበ-ኣዕኑድ ትልጠፊ
ደም ሰቲኺ
ዓጽሚ ሰርኪ
ክልቲኡ ሓደ
ናትኪ ገዝሚ
ናትኪ ገዝሚ
ሓያል ክንክን .....ንስኺ ጐይታ
ኣንበልብሊ ሰንደቕና
ኣብ ማእከልተን እንትርፎ ማይ
ደም ዘይሽትታ
ኣንበልብሊ ሰደቕና
ሳላቶም ከይሰርሑ ዘይድቅሱ
ንወራራት ዝረመሱ
ጥራይ ኢዶም ወፊሮም
ምሳይላት ታንክታት ሰሊቦም ዝተመልሱ
ሳላቶም ብፓዴላ ብዛፓ
ብኣፍራዛ ብማሳ ከልምዑ ዝቃለሱ
እሞ ከዓ ምስ ቁርን ኣሳሒታን
ረመጽን ወቕዒ ጸሓይን
ምስ ምሉእ ሓይሉ
ዘይርሕቕ ዘቢሉ
እሞ ምስ ጥሙይ ከብዶም
ምስ ዕሩቕ ዝባኖም
ምስኡ ኳሕ ሓጸል
ብዘይ ዕርፍቲ ዝደጋገም
ኣብ ኩሉ ንኹሉ ዝጥቀም
ንሱ ከም ጽድቂ
ከምኡ ንቡር
ሓይሊ ብራኢ ዝምራሕ
እምነት ብመትከል ዝብጻሕ
ኢሎም ዝኣምኑ
ሓይሎም ጸንቂቅቖም
ንዓኺ ዘይስእኑ
ሰንደቕና ንበሪ ሳላቶም
ዛዕባኺ ዝሓስቡ መዋእሎም
ብፍቓዱ ካሕሳይ
መዓልቲ ናጽነት 2018
bottom of page